Sök

ንዘቤታዊ ገበን ዝተቓላዕካ ምዃን

ዘቤታዊ ገበን ዝበሃል ብመቅርብካ ንዝተፈላለዩ ገበናት ከም ምፍርራሕ፡ ኣካላዊ- ዓመጽ፡ ስነ- ኣእምሮኣዊ ዓመጽ ወይ ጾታዊ ዓመጽ ዝተቃላዕካ ምዃን ማለት እዩ። እዚ ንኣብነት ብመጻምድካ ወይ መጻምድካ ዝነበረ፡ ወለዲ፡ ኣሕዋት /ኣሓት ወይ ብውላድ ክኸውን ይክእል እዩ።

እዚ ምስቲ ብዛዕባ ምስ ክብሪ ዝተሓሓዝ ገበን ዝበሃል እውን ዝተተሓሓዘ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ገበን እዚ ብመሰረት ናይ ክብሪ ዘሎ ርድኢት ናይ ሓደ ግለ ሰብ ወይ ስድራ ወይ ኣዝማድ ስም ወይ ክብሪ ንምዕቓብ ወይ ንምምላስ ዝፍጸሙ እዩ።

ንሓደ መቕርብ ግዳይ ዓመጽ ናይ ምፍርራሕ ወይ ግህሰት ምግባር ሓደ ከቢድ ገበን እዩ። እዚ ንፖሊጽ ዘጠራጥር/ ዘማትእ የብሉን። ንስካ ወይ ካልእ ትፈልጦ - በጽሒ ወይ ቆልዓ - ግዳይ እንተ ዄንኩም ምስ ፖሊስ ተራከብ። ኣብዚ ብዛዕባ ከመይ ገርካ ከም ተመልክት፡ ድሕሪኡ እንታይ ከም ዘጋጥመካን ብከመይ ሓገዝ ከም እትረክብን ዝያዳ ኣፍልጦ ትረክብ።

ሓደ ምልክታ ወይ ጥርዓን ምግባር

ምስ ፖሊስ ርክብ ንምግባር ናብ 114 14 ደውል ወይ ኣብ ቀረባካ ንዘሎ መደበር ፖሊስ ብጻሕ። ኣብ ህጹጽ ኩነታት ኵሉ ግዜ ናብ 112 ደውል። ፖሊስ ንምልክታኻ ይቕበልዎ፣ ከምኡ’ውን ንሕቶታትካ ክምልሱን ናብ ናይ ሓገዝ ማሕበራት ወይ ናብቲ ትነብረሉ ኮሙን ከሰጋግሩካ ይክእሉ እዮም።

ሓደ ጥርዓን ከተእቱ ከለኻ መብዛሕትኡ ግዜ ምስኡ ዝተተሓሓዘ ብፖሊስ ሕቶታት ይቐርበልካ እዩ። ከምኡ’ውን ፖሊስ ነቲ ጥርዓንካ ምስ ተቐበልዎ ንሕቶታት ድሒሮም ክጽውዑካ ይክእሉ እዮም። ነቲ ዘጋጠመካ ብዝተካእለካ መጠን ብዝርዝር ክትነግር ክትክእል ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ፖሊስ ንኣብነት ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ከቕርቡልካ እዮም፤

  • ናይ ኣየናይ ዓይነት ምፍርራሕ፡ ዓመጽ ወይ ካልእ ገበን ኢካ ግዳይ ኮይንካ?
  • መን ወይ ኣየኖት እዮም ግዳይ ገሮምካ?
  • መዓስ እዩ እዚ ተፈጺሙ፣ ንነዊሕ ግዜ ድዩ ቀጺሉ?
  • መሰካክር ኣለዉ ድዮም?
  • ካልእ ዝሕግዘካ መረጋገጺ ኣሎ’ዶ? ንኣብነት ስእሊ፡ ኤስኤምኤስ (sms)፡ ናይ ሕክምና መዝገብ?

መጉዳእቲ በጺሑካ እንተ ኾይኑ፡ መጉዳእትካ ብሓኪም ክስነድ እንተ ተኻኢሉ ክሰኣል ኣለዎ። ምናልባት ብናይ ተለፎን መላሲት( telefonsvararen)፡ ብኢ-መይል ወይ ኤስኤምኤስ (sms ዝመጸካ ምፍርራሕ እውን ዓቅቦ። ብዛዕባ ዝኮነ መጉዳእቲ ከጋጥሞ ዝረእካዮ ሰብ፣ ገለ ዝጸሓፍካዮ ንኣብነት ኣብ መዓልታዊ መዘክር እንተሎ ኾይኑ፣ ገለ ኣቀዲምካ ብስእሊን ካልእን ዝሰነድካዮም መጕዳእቲ እንተ ኣሊዮም ኮይኖም ዘክር። እዚኣቶም ኣዝዮም ኣገደስቲ መርትዖታት/ጭብጥታት ክኾኑካ ይክእሉ እዮም።

ደገፍ ኣብ ሕጋዊ መስርሕ

ኣብቶም ዝበዝሑ ንፖሊስ እትረክበሎም ኣጋጣሚታት ሓደ ሓጋዚ/ ሰብ ምሳካ ክትወስድ መሰል ኣሎካ። ሓጋዚካ መን ክከውን ከም ዘለዎ ንስኻ ባዕልኻ ኢካ እትውስን። ዓርክካ፡ ሓደ ኣብ ኮሙን ዝሰርሕ ሰብ ወይ ካልእ ካብ ናይ ሓገዝ ማሕበራት ክኸውን ይክእል እዩ። እቲ ሓጋዚ ሰብ ዝኮነ ክፍሊት ናይ ዝተሳተፎ ኣይቅበልን እዩ።

ሓደ ሕጋዊ ጠበቓ እውን ክግበረልካ ይክእል እዩ። እንተ ተፈቒዱካ ካብ ክፍሊት ናጻ እዩ። ሓደ ሕጋዊ ጠበቓ ኩሉ ሕጋዊ መስርሕካ ክሳብ ዝፍጸም ይሕግዘካ። ሕጋዊ ጠበቓ ክግበረልካ ምስ እትደሊ ንፖሊስ ወይ ንኣኽባሪ ሕጊ ሓብሮም።

መርመራ ገበንን ፍርድን

እቲ ናይ ገበን መርመራ ምስ ተወድኤ ኣኽባር ሕጊ ክሲ ንምምስራት ሰረት እንተ ኣሎ ኾይኑ ይውስን። ሽዑ ንስኻን እቲ ብገበን ተጠርጢሩ ዘሎ ሰብን ኣብ መጋበእያ ትሕተቱ ወይ ቃልኩም ትህቡ፣ ድሕሪኡ ቤት-ፍርዲ ናይ ፍርዲ ውሳኔኡ ይውስን። እቲ ጉዳይ ክዕጾ ይክእል እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ እኩል መርትዕ/ጭብጢ ብዘይ ምህላው ክከውን እክእል እዩ። እዚ ማለት ፖሊስን ኣኽባር ሕግን ነቲ ናይቲ ግዳይ ቃል ስለ ዘይኣመንዎ ዘይኮነስ እንታይ ደኣ፣ በቶም ዝቐረቡ መርትዖታት ክሲ መስሪትካ ጕዳይካ ክርኣ ስለ ዘይከኣል እዩ። ሓደሽቲ ጭብጥታት/ሓበረታት ምስ ዝርከቡ እቲ ጉዳይ ከም በሓዲሽ ክለዓል ይክእል እዩ።

ሓገዝን ደገፍን

ብሓደ ናይ ቀረባ ዘመድ ግዳይ ገበን ኣብ ዝኮንካሉ እዋን ሓገዝን ደገፍን ንምርካብ ምስ ፖሊስ ርክብ ክትገብር ትክእል ኢኻ። መብዛሕትኡ ግዜ ፖሊስ ግዳይ ናይ ዳግማይ ገበን ንኸይትከው ሓደጋ እንተ ኣሎ ኾይኑ ይግምግሙን እንተ ኣድልዩ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ንኣብነት ናይ መጥቓዕቲ ኣላርም (överfallslarm) ብምሃብ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም፣

ንግዳያት ገበን ዝሕግዛ ብተረኛ ዝሰርሓ ወለንተኛታት ማሕበራት ኣብ መብዛሕተኤን ከተማታት ናይዛ ሃገር ኣለዋ። ነዘን ማሕበራት ንኣብነት ብመንገዲ Kvinnofridslinjen ከምኡ’ውን ደገፍ ግዳያት ገበን( Brottsofferjouren) ጌርካ ክትረኽበን ትኽእል ኢኻ። Kvinnofridslinjen ኵሉ ሰብ ሰብኡት እውንካብ ክፍሊት ናጻ ክድውልሉ ዝኽእሉ ሃገራዊ ናይ ተለፎን ደገፍ እዩ። እዚ መስመር ዕስራን ኣርባዕተን ሰዓት ክፉት ኮይኑ፣ ስምካ ከይጠቐስካ ክትዛረቦም ትኽእል ኢኻ። ናብ ናቶም ቁጽሪ ተለፎን ከም ዝደወልካ ኣብ ሕሳብ ናይ ተለፎንካ ኣይረኣይን እዩ። ነቲ መወዳእታ ናይ ዝርርብ ዝርዝር ኣብ ተለፎንካ ዘሎ ክትድምስሶ እውን ትኽእል ኢኻ። RFSL - Riksförbundet för sexuellt likaberättigande ንHBTQ (ኤል.ጂ.ቢ.ቲ.ክዩ ሰባት፡ ሓባራዊ መጸውዒ ናይ ግብረሰዶማውያን ደቀንስትዮ፡ ድርብ ጾታውያን፡ ግብረሰዶማውያንን ስግረ ጾታውያንን ዝኾኑ ሰባት እዩ።) ሰባት ደገፍ ግዳያት ገበን( Brottsofferjouren) ኣለዎም። ቈልዓ ወይ መንእሰይ ዄንካን ግዳይ ዓመጽ እንተ ዄንካ ወይ ኣብ ገዛ ዓመጽ ክፍጸም ከሎ እንተ ርኢኻ፡ ሓገዝን ደገፍን ንምርካብ ናብ BRIS ክትድውል ትክእል ኢኻ። ናብ ፖሊስ እውን ክትድውል ትኽእል ኢኻ።

ካሕሳ ንግዳይ ገበን

ኣብ ልዕለካ ገበን ምስ ዝፍጸም መሰል ናይ ካሕሳ ክህልወካ ይኽእል እዩ፣ ናብ ፖሊስ ዝተገብረ ምልክታ ክህሉ ግን ይሓትት እዩ። ናብ ፖሊስ ዝተገብረ ምልክታ እንተ ኾይኑ ካብ ናይ መድሕንካ ትካል ናይ መጉዳእትካ ካሕሳ ክትሓትት እውን ዕድላት ኣሎካ። ዓመጽ ካብ መቕርብ ምስክር ዝኾኑ ቈልዑ ከም ግዳያት ናይቲ ገበን ስለዝሕሰቡ ናይ ገበን ካሕሳ ክረክቡ መሰል ኣለዎም።

ብዛዕባ ካሕሳ ኣብ Brottsoffermyndighetens መርበብ ሓበሬታ 

ኣብዚ ዝያዳ ኣንብብ፤

Mer på svenska om brott i nära relation

Mer på svenska om hedersrelaterade brott