ናይ ዓመጽ ሻቕሎት
Trygga hem – utan våld Degerfors
ሓደ ሰብ ኣብ ርክብኩም ዓመጽ ኣሎ ኢሉ ስለ ዝተሻቐለ፡ በዚ ምኽንያት ፖሊስ ኣብ ቤትኩም መጺኦም ዘለዉ።
በይንኹም ኣይኮንኩምን ዘለኹም። ብዙሓት ሰባት ዓመጽ ኣብ ዘለዎ ርክብ ዝነብሩ ኣለዉ። እቲ ዓመጽ ንመላእ ስድራቤት፡ ንቈልዑን ኣብ ከባቢኻ ዘሎ መሓዙን ይጸልዎም እዩ። ዓመጸኛ ባህርይ ከም ቁጠዐ ምግንፋል፡ ብቐሊሉ ምሕራቕ፡ ጽዩፍ ነገራት ምዝራብ፡ ነገራት ምድርባይ ወይ ቊጠባዊ ዓመጽ ምጥቃም ከጠቓልል ይኽእል። ገበናውን ዓመጸኛን ባህርያት ዝበሃሉ ንኣብነት ምፍርራሕ፡ ምህራም፡ ምቕላዕ፡ ምድፋእ፡ ምቁጽጻር፡ ጾታዊ ዓመጽ ምግባር፡ ጾታዊ ምስርጣይ፡ ምግሃስ፡ ሰብ እናሰዓብካ ምክትታል ወይ ንብረት መቕርብካ ምጉዳእ የጠቓልል።
Trygga hem – utan våld ኣብ መንጎ ፖሊስ፡ ክፍሊ እረማ፡ ኮሙን፡ ክንክን ጥዕናን ሕክምናን ከምኡ ድማ ምምሕዳራዊ ዞባ ዝግበር ምትሕብባር እዩ
ኣብ ጥቡቕ ርክባት ዓመጽ ንምውጋድ ብሓባር ንሰርሕ።
• ሕብረተሰብ ዓመጽ ኣይጻወርን እዩ።
• ዝኾነ ሰብ ካብ መቕርብ ሰቡ ክፈርሕ ኣይንደልን።
• ቈልዑ ዓመጽ ኣብ ዘለዎ ስድራቤት ክዓብዩ ኣይንደልን ኢና።
ዝወሃብ ሓገዝ ኣሎ
ንሕና ኣብ’ዚ ኣለና ንዓኻትኩም ድማ ደገፍን ሓገዝን ነቕርብ። ስድራቤታት ብሰላምን ካብ ዓመጽ ነጻን ናይ ምንባር ዕድል ክረኽቡ ንደሊ። ገለ ካብ’ቲ ንምጥዎ ደገፋት፡ ደገፍ ንቈልዑ፡ ጸወን ኣብ እዋን ጸበባ፡ ደገፍ ብዝርርብ፡ ነቲ ዝወረደካ ዓመጽ ንምምካት ሓገዝ ንህብ። ካልእ ድማ ወልፊ፡ መንበሪ ኣባይትን ቊጠባን ብዝምልከቱ እዉን ሓገዝ ንህብ ኢና። ኣብ መላእ ዞባ ምስ ዝርከባ ትካላት ርክብ ኣለና፣ ንሳተን እውን ሓገዝ ይምጥዋ እየን።
ደውሉልና – ንዓኹም ኢልና ኢና ዘለና!
ኲሉ ግዜ ድሉዋት ኢና። ስሉጥ ሓገዝን ደገፍን ንህብ።
|
ህጹጽ፡ ጌና ዘየብቀዐ ዓመጽ |
ናብ 112 ደውሉ |
|
ምኽሪ ንምርካብ ወይ ገበን ንምምልካት |
ናብ ፖሊስ 114 14 ደውሉ |
|
ምኽሪ ንምርካብ ወይ ሓገዝ ንምምልካት |
ናብ እንዳሶሻል ደውሉ 0586-48100 |
|
ኣብ ህጹጽ ሰዓታት ምኽሪ ወይ ሓገዝ ምሕታት |
ናብ በዓል-ተራ እንዳሶሻል ደውሉ 112 |
|
ኣብ ልዕሌኺ ዓመጽ ንዝወረደኪ ዝምልከት መስመር ደገፍ |
መስመር ሰላም ደቀንስትዮ(ክቪኖፍሪድ ሊንየ) 116 016 መስመር ደገፍ ንደቂተባዕትዮ 020-80 80 80 መስመር ደገፍ ንትራንስ ሰባት 020-55 00 00 |
|
ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ ዓመጽ ንዝፈጸምካ ዝምልከት መስመር ደገፍ |
ደው ከተብሎ ምርጽ 020-555 666 ሃገራዊ መስመር ቴሌፎን ደቂ ተባዕትዮ 08-30 30 20 |