ትግርኛ (Tigrinja)
ኣብዚ ገጽ’ዚ፡ ንዓኻ ብቛንቋ ትግርኛ ትዛረብ፡ ሓበሬታታት ኣኪብና እንሆ ነቕርበልካ ኣሎና።
ገበን ኪስራሕ ከሎ ንምምልካት ወይ ንፖሊስ ንምጥቋም
ናብ ስልኪ 114 14 ደውል ወይ ናብ መደብር ፖሊስ ኬድካ ሓብር።
ካብ ወጻኢ ሃገር ትድውል ምስ ትህሉ ወይ ውን ኣብ ሽወደን ናይ ወጻኢ ሃገር ቴሌፎን ትጥቀም ምስ ትኸውን፥ ናብዚ ቁጽሪ’ዚ +46 77 114 14 00 ደውል።
ቋንቋ ሽወደን ዚዛረብ ሓደ ሰብ ምስኻ ሒዝካ ምጻእ። ኣብ ቤት ስልጣን ፖሊስ፡ ብዙሓት ቋንቋታት ዚዛረቡ ሰራሕተኛታት ኣሎዉና፥ እቲ ልክዕ ናትካ ቋንቋ ዚዛረብ ሰብ ግን ብርግጽነት ኣሎና ኪንብል ኣይንኽእልን ኢና።
እቲ ገበን ሽዑ ዚፍጸም እንተደኣ ኣልዩ ወይ ንናትካ/ኪ ህይወት ዘስግእ ሓደጋ ምስ ዘጋጥም ናብ 112 ደውል/ድውሊ።
ቤት ስልጣን ፖሊስ ተርጎምቲ ይጥቀም ድዩ?
እወ፡ ሓደ ምርመራ ገበን ኪጅምር ከሎ፥ ቤት ስልጣን ፖሊስ ተርጎምቲ ይጥቀም እዩ።
ንምርኣይ ወይ ንምስማዕ ጸገም ኣሎካ/ኪ ድዩ?
ንምርኣይ ጸገም ምስ ዚህልወካ፥ ብናይ ስእሊ-ቴሌፎን (bildtelefon) ምስ ፖሊስ ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ንምስማዕ ጸገም ምስ ዚህልወካ ድማ፥ ብናይ ጽሑፍ-ቴሌፎን ምስ ፖሊስ ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።
ናብ ፖሊስ ብናይ ስእሊ-ቴሌፎን፡ ጽሑፍ-ቴሌፎን ወይ ”ቴሌ/ዘረባ” ተጠቒምካ ደውል
ፓስፖርትኻ፡ መዘውር-ማኪና መንነትካ ወይ ወረቐት-መንነትካ ምስ ዚጠፍኣካ?
ናብ ፖሊስ ምልክታ ኣቕርብ።
ንዝተፈጸመ ገበን ምልክታ ምቕራብ ኣገዳሲ’ድዩ?
እወ፡ ቤት ስልጣን ፖሊስ ናይ ኵሎም ዝጥርጠሩ ገበናት ምልክታ ኪቐርቡሉ ይደሊ እዩ።
ኣብ ሽወደን ሓድሽ ዝዀንካ (ብሽወደንኛ/på svenska)
Polisen.se ብቐሊል ሽወደንኛ (på lättläst svenska)
ብዛዕባ ፖሊስ - ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ - (Om polisen – För svenska som andraspråk)
ብዛዕባ ፖሊስ ብቛንቋ እንግሊዝኛ - Polisen.se på engelska